08/07/2026
🫃 ጥንስን ሕማም ፍንጣጣን (2ይ ክፋል)🫃
✒️ምርመራ ሕማም ፍንጣጣ ኣብ እዋን ጥንሲ፦
🗣ማእኸል ምሕካምን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ከምዝመኽሮ ኩለን ጥኑሳት ኣዴታት ደማዊ ምርመራ ሕማም ፍንጣጣ ክገብራ ኣለወን።
🗣ምርመራ ዝካየደሎም ዕድመታት ጥንሲ ድማ፦
1⃣ ኣብ መጀመርታ ክትትል ጥንሲ
2⃣ ልዑል ተቓላዕነት እዙ ሕማም ንዘለወን ጥኑሳት ድማ ምርመራ ኣብ 28-32ሰሙናት ጥንስን ኣብ እዋን ወሊድን
3⃣ ምንም ምርመራ ገይራ ዘይትፈልጥን ኣብ እዋን ሕርሲ ንዝመፀትን ጥንስቲ ወይ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ማህፀን ድቂ ንዝጠፍኣ ኣዶ፤ኣብ እዋን ሕርሲ ምርመራ ፍንጣጣ ክግበረላ ይግባእ
✒️ሳዕቤናት ሕማም ፍንጣጣ ኣብ ጥንሲ፦
🗣ምንፃል ድቂ
🗣ኣብ ዘይምዓልቱ ምጅማር ሕርሲ
🗣ካብ ዓቐን ንታሕቲ ክብደት ህፃን
🗣ኣብ ውሽጢ ማህፀን መጉዳእቲ ድቂ
🗣ዝሕቱል ዕብየት ድቂ
🗣ድሕሪ ወሊድ መጉዳእቲ ህፃን
✒️ሕክምናን ምክልኻልን ሕማም ፍንጣጣ ኣብ እዋን ጥንሲ፦
🗣ሓንቲ ጥንስቲ ኣዶ ናብ ሕማም ፍንጣጣ ካብ ዘቃልዑ ተግባራት ብምቑጣብን ኣብ ስዓቱ ኣድላይ ምርመራን ሕክምናን ብምግባር ሕማም ፍንጣጣን ሳዕቤናቱን ክትከላኸል ትኽእል እያ።
🗣ሕክምና ሕማም ፍንጣጣ ብመርፍእ ወይ ድማ ብክኒን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ
| ስፔሻሊስት ጥንስን ሕማማት ማህፀንን |
"ንጥዕነኦም ቀዳምነት ንህብ!"
🏨 ፍሉይ ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ጥንስን ሕማማት ማህፀንን ናዲና ( Nadina Obstetrics And Gynecology Speciality Clinic)
👌👌ኣብ ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰን ከባቢኣን ብሕታዊ ስፔሻሊስት ሓኪም ጥንስን ሕማማት ማህፀንን ዝኾኑ ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ ኣገልግሎት ይረኽቡ!
🩸ብዛዕባ ንህቦም ግልጋሎታትን እዋናዊ ሓበሬታን ንምርካብ ኣብ፡
🌀https://www.facebook.com/abadi.welday
🔵https://t.me/weldeabe
🌀https://www.facebook.com/profile.php?id=61586694429085
🌀https://www.fb.com/l/6lp1kJRRR
🌀https://facebook.com/groups/1884825275745480/
🌀https://chat.whatsapp.com/BAkgbOFmXwz10H8cE3e9P1?mlu=4&s=cl&p=
📞 ቆፆሮ ንምትሓዝ: +251901123412
📍 ኣድራሻና: ከተማ ኣፅቢ እንዳስላሰ ካብ ሆስፒታል ሙሉ ኣሰፋ ናብ ሃይስኩል ዝወስድ መንገዲ
✳️✳️ናብ ኩሉ ንኽባፃሕ Like, Share, Follow ምግባር ኣይትረስዑ