ጥዕና ይሃበለይ

Call

ጥዕና ይሃበለይ Concerned about health issues and shares articles on healthy living. Every one invited to share , like and read. Health for all!

ሓበሬታእዚ ህፃን ኣብ ዳግም ኣምሳል መቐለ ጠፊኡ ዝተረኸበ እዩ። ስም ኣዲኡ ኣስኳል ከምዝበሃክ ገሊፁ ኣሎ። ሐዚ ዝርከበሉ ኣድራሻ 0914767210- ብውሽጢ መስመር ዝመፀለይ ሓበሬታ እዩ። ሼ...
10/10/2026

ሓበሬታ

እዚ ህፃን ኣብ ዳግም ኣምሳል መቐለ ጠፊኡ ዝተረኸበ እዩ። ስም ኣዲኡ ኣስኳል ከምዝበሃክ ገሊፁ ኣሎ። ሐዚ ዝርከበሉ ኣድራሻ 0914767210

- ብውሽጢ መስመር ዝመፀለይ ሓበሬታ እዩ። ሼር ምብግባር ነቲ ህፃን ምስ ስድርኡ ክራኸብ ንሓግዝ።

ኣውራ ዝብሃል ዩትዩብ  ኣቕራቢ እዩ።ኣዝዩ መስሓቂን ተፈታዊን እዩኤል ቁሪ እዩ መስለኒ ደረተይ ኢሉ ነይሩ። ናይ ልቢ ሕማም ከም ዝዓረፈ ይዝረብ ኣሎ።ናይ ልቢ ሕማም ምስ ቁሪ ወይ ሰዓል ዝመሳ...
10/10/2026

ኣውራ ዝብሃል ዩትዩብ ኣቕራቢ እዩ።
ኣዝዩ መስሓቂን ተፈታዊን እዩኤል ቁሪ እዩ መስለኒ ደረተይ ኢሉ ነይሩ። ናይ ልቢ ሕማም ከም ዝዓረፈ ይዝረብ ኣሎ።
ናይ ልቢ ሕማም ምስ ቁሪ ወይ ሰዓል ዝመሳሰል ምልክት ኣለዎ ዶ?

10/10/2026

ኣብ ትግራይ ክንደይ ናይ ስነ-ኣእምራዊ ሕክምና ስፔሻሊስት ኣለው?

💚 ዓለምለኸ መዓልቲ ጥዕና ኣእምሮ | 30 መስከረም 💚🧠 ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ጉዳይ ሙሉእ ጥዕና እዩ— ኩሉ ኣእምሮ ክንክን ይግብኦኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ጥዕና ኣእምሮ፡ ሆስፒታል ሪምና ምስ ማ...
10/10/2026

💚 ዓለምለኸ መዓልቲ ጥዕና ኣእምሮ | 30 መስከረም 💚
🧠 ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ጉዳይ ሙሉእ ጥዕና እዩ— ኩሉ ኣእምሮ ክንክን ይግብኦ

ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ጥዕና ኣእምሮ፡ ሆስፒታል ሪምና ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃን ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ንቕሓት ኣብ ምዕባይን ኩሉ ሰብ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዝተስተኻኸለ ሂወት ንክህልዎ ቀዳምነት ክህብ የተባብዕ።

ጥዕና ኣእምሮ ልክዕ ከም ኣካላዊ ጥዕና ኣገዳሲ እዩ። ፀቕጢ፣ ጭንቀት፣ ድብርትን ካልእ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ብድሆታትን ዕድመ፣ ድሕረ ባይታ ወይ ኩነታት ብዘየገድስ ንዝኾነ ሰብ ክፀልዉ ይኽእል እዮም። ሓገዝ ምድላይ ምልክት ድኻም ኣይኮነን- ናብ ምሕዋይ ዝወስድ ናይ ትብዓት ስጉምቲ እዩ።

💙 ጥዕና ኣእምሮና ዝድግፉ 5 መንገድታት እነሆ:

✅ ምስ እንኣምኖ ሰብ ብዛዕባ ስምዒታትና ብግልፂ ምዝርራብ።
✅ ንዕረፍቲ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ከምኡ'ውን ንእንፈትዎ ንጥፈታት ግዜ ምምዳብ።
✅ ምስ ቤተሰብ፣ ፈተውቲ፣ ከምኡ'ውን ደገፍቲ ሰባት ምትእስሳር ምግባር።
✅ ጥዑያት ገደባት ምቕማጥ፣ ልዕሊ ዓቕምና ፅዕንቶ እንትስምዓና ድማ ዕረፍቲ ምውሳድ።
✅ ስምዒታዊ ፀገማት እንትቕፅሉ ወይ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዕንቅፋት እንትፈጥሩ ሞያዊ ሓገዝ ሕክምና ምድላይ ኣገዳሲ እዩ።

🤝 ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ዘሎ ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ንስበሮ። ብዘይ ምፍራድ ነዳምፅ፣ ርህራሄ ነርኢ፣ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት በይኖም ከምዘይኮኑ ነዘኻኽር። ርህራሄ ዝተመልኦ ቃል፣ ደጋፊ ምይይጥ፣ ሓደሰብ ሓገዝ ንኽደሊ ምትብባዕ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል እዩ።

ንዘክር፡ ሓልዮት፣ ደገፍን ምርድዳእን ይግበአና እዩ - ጥዕና ኣእምሮና ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ።

ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ!
ሆስፒታል ሪምና

ኣድራሻ፥
መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ዌብሳይት፥ www.rimnahospitals.com
ኢመይል፥ [email protected]
Facebook: https://www.facebook.com/rimnahospitalmekelle
Instagram: https://www.instagram.com/rimna_hospital
TikTok: https://www.tiktok.com/

ቁፅርታት ስልኪ
6231
+251930173317
+251342403020
+251342403021

10/10/2026

ጥንቃቐ !

ንኹሉ ይባፃሕ። ነተጉቲ ፈንጂታት ኣብ ከተማታትን ገፀርን ኮታስ ኣብ ዘይግመት ቦታ ኣለው። እዚኦም ቆልዑ ተፃዊቶምሎም ዓይኖም ከምዝጎድኡ ብዝሓለፈ ጽሒፍና ነይርና። ወለዲ ንባዕልኩምን ንደቕኹም ተኸታተሉ።

ብድሮናትን ብ ደብዳብ ዝውዳእ ዘሎ ይኣክል።

ናብ ኩሉ ሼር ግበርዎ!

Congratulations to Dr. Abraha Hailu Weldegerima on becoming a Fellow of the American College of Cardiology (FACC) and re...
10/10/2026

Congratulations to Dr. Abraha Hailu Weldegerima on becoming a Fellow of the American College of Cardiology (FACC) and receiving the Hani Najm Scholarship Award.

"As an Associate Professor of Internal Medicine and Cardiology at Mekelle University, these achievements will strengthen my commitment to improving cardiovascular care, advancing rheumatic heart disease prevention, and mentoring the next generation of physicians in Ethiopia."

Dr. Abraha Hailu Weldegerima
Associate Professor of Internal Medicine and Cardiology

10/10/2026

ዳውን ሲንድሮም ዘለዎም ኩሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዓለም ካብዘለው ብሉፃት ሳይንቲስታት ዝተፀርሐ ትግራዋይ!ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ እሸቱ እንኳዕ ደስ በለካ!ኣብ ዓለም ካብዘለው ብሉፃት ሳይንቲስታት ዝተፀርሐ ትግራዋይ ከምዚ ይብል።𝐖...
10/10/2026

ኣብ ዓለም ካብዘለው ብሉፃት ሳይንቲስታት ዝተፀርሐ ትግራዋይ!

ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ እሸቱ እንኳዕ ደስ በለካ!

ኣብ ዓለም ካብዘለው ብሉፃት ሳይንቲስታት ዝተፀርሐ ትግራዋይ ከምዚ ይብል።

𝐖𝐨𝐫𝐥𝐝’𝐬 𝐓𝐨𝐩 𝟐% 𝐌𝐨𝐬𝐭 𝐂𝐢𝐭𝐞𝐝 𝐒𝐜𝐢𝐞𝐧𝐭𝐢𝐬𝐭𝐬 (𝐎𝐯𝐞𝐫𝐚𝐥𝐥) 𝐚𝐧𝐝 𝐓𝐨𝐩 𝟎.𝟒𝟖% 𝐢𝐧 𝐄𝐧𝐞𝐫𝐠𝐲 𝐅𝐢𝐞𝐥𝐝
---------------------

I am delighted and deeply honored to share that I have been recognized among the World’s Top 2% Most Cited Scientists (2022–2026) in the global ranking of Stanford University and Elsevier! 🌍🔬

In the field of Energy, I am ranked 1,634th out of 343,394 authors worldwide, placing me in the top 0.48% of researchers globally.

This recognition is both a privilege and a motivation to continue advancing scientific research, fostering innovation, and contributing to a more sustainable energy future.

My sincere gratitude goes to all my supervisors, collaborators, colleagues, mentors, and institutions whose support and shared commitment have been integral to this journey.

Call for help!ናይ ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ጥዕና ሳይንስ ኮለጅን ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ጥዕና በዓል ሞያ(ኦኣር ነርስ) ሰራሕተኛ ዝኾነ ኣይተ ይርጋ ሃይለሚካኤል ብዘጋጠሞ ና...
10/09/2026

Call for help!

ናይ ኣኽሱም ዩኒቨርሲቲ ጥዕና ሳይንስ ኮለጅን ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ጥዕና በዓል ሞያ(ኦኣር ነርስ) ሰራሕተኛ ዝኾነ ኣይተ ይርጋ ሃይለሚካኤል ብዘጋጠሞ ናይ ኣእምሮ ሕበጥን ምምላእ ፈሳሲ ኣኣእምሮን ሕማም(Brain Tumor with acute obstructive Hydrocephalus) ኣብ ኣኽሱም ዩናቨርሲቲ ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሕክምንኡ እንዳተኸታተለ ድሕሪ ምፅናሕ ንዝበለፀ ምርመራን መጥባሕታዊ ሕክምናን ናብ ዓይደር ኮምፕሬሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ብህፁፅ ሪፈር ዝተባሃለ ኮይኑ ምስቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ተወሲኹዎ ሙሉእ ናይ ሕክምና ወፃኢ ንምሽፋን ካብ ዓቅሙ ንላዓሊ ስለ ዝኾኖ ሂወቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ ። ስለዚ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ሂወት ሓውና ኣይተ ይርጋ ሃይለሚካኤል ንምድሓን ዓቅምና ብዝፈቀዶ ሓገዝ ክንገብረሉ ብሹም ፈጣሪ ንሓትት።
ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ሒሳብ ቁፅሪ - 1000180865358

Dr. Hagos Girum;  consultant General Surgeon & HPB subspecialist, has become a Fellow of the American College of Surgeon...
10/09/2026

Dr. Hagos Girum; consultant General Surgeon & HPB subspecialist, has become a Fellow of the American College of Surgeons (FACS)

The letters FACS (Fellow, American College of Surgeons) after a surgeon’s name mean that the surgeon’s education and training, professional qualifications, surgical competence, and ethical conduct have passed a rigorous evaluation, and have been found to be consistent with the high standards established and demanded by the College.

Address

260 Wellesley Street
Toronto, ON
M4X1G6

Telephone

+251914000292

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጥዕና ይሃበለይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Sponsored

Share