19/08/2026
(Gout)? 🚨
ሕማም ሪሕ ኣብ ውሽጢ ደም መጠን ዩሪክ ኣሲድ (Uric Acid) ብምውሳኹ ምኽንያት፣ ኣብ መገጣጠሚታት (መላግቦታት) ዝኽሰት ብርቱዕ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም ብብዝሒ ኣብ ዓባይ ኣፅባዕቲ እግሪ ዝጅምር እንተኾነ ከም እውን፣ ንኻልኦት መገጣጠሚታት እውን ከጥቅዕ ይኽእል እዩ።
📌 ቀንዲ ምልክታት፦
🔹 ብሃንደበት ዝለዓል ሓያል ቃንዛ (ብፍላይ ብለይቲ)
🔹 ናይቲ መገጣጠሚ ምቕላሕ፣ ምውዓይን ምሕባጥን
🔹ብምኽንያት እቲ ሕማም ነቲ መገጣጠሚ ንምዕፃፍን ንምዝርጋሕን ምፅጋም
📌 ተቓላዕቲ ዝገብሩ ነገራት፦
🔹 ኣብ ደም መጠን ዩሪክ ኣሲድ ምውሳኽ (Hyperuricemia)
🔹 ብዙሕ ፑሪን (Purine) ዘለዎም ምግብታት ብብዝሒ ምምጋብ (ንኣብነት፦ ቀይሕ ስጋ)
🔹 ኣልኮላዊ መስተ (ብፍላይ ቢራ) ምስታይ🍻
🔹 ናይ ኵላሊት ሕማም ወይ ናይ ቤተሰብ ታሪክ ምህላው 👨👩👧👦
ዶ/ር ብሩኽ ልሳነወርቅ ስፔሻሊስት ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት
Dr Biruk Lissanework Specialist Internal Medicine
🌟 ስሙይ ሓልዮት፤ ብስሙያት ሓኻይም! 🩺✨
🏨 ኣሉላ ሆስፒታል (Alula Hospital)
📞 ስልኪ: +251928525354
📍 ኣድራሻና: ዓዲ ሓውሲ ትራፊክ መብራህቲ 🚦